ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ንምዝዛምን፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዞባ ማእከል – ኣብ መበል 32 ዙርያ ንምስታፍ ናብ ሳዋ ወሪዶም።

እቶም ኣብ ክልተ እብረ – ማለት ብ24 ሓምለን 1 ነሓሰን ንሳዋ ዝወረዱ ተመሃሮ፡ ካብ 25 ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ኮይኖም – ብዝሖም 6069 እዩ። ካብዚኦም እተን 54 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

እቶም ተመሃሮ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣፋንይዎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ትስፉው ናይ ሰላም ሃዋህው ንሳዋ ምውራዶም – ካብ’ቲ ካልእ ዙርያታት ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግቡ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ካልኦት ዞባታት ካብ ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ – ተሳተፍቲ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣቐዲሞም ሳዋ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

Categories