ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ክቡራት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ

ክቡራት ዕዱማት

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን – ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንምድማቕ ኣብዚ ዝተረኸብኩም ኩሉኹም! ብዕድመ ክቡር ፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣነን ብጾተይን ኣብዛ ፍትውቲ ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ኣስመራ ብምርካብና፡ ዝለዓለ ክብሪ ይስመዓና።

ክቡር ፕረዚደንት

ብርግጽ፡ እዚ ኣዝዩ ዓሚቚ ትርጉም ዘለዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ’ዚ፡ ንኽልቲአን ኣሓት ሃገራት ይኹን ንዓይ ብውልቀይ፡ ፍሉይ ሚዛን ኣለዎ። ንዓይን ንመሳርሕተይን፡ ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝተገበረልና ምዉቕ ኣቀባብላ ብልቢ ከመስግን ኣፍቅዱለይ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ከመስግኖ እፈቱ። ሎሚ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻእ ዝሃበና ክብሪ፡ ዝለገሰልና ፍቕሪ – ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ንዝጸንሐ ጽኑዕ ሕውነትን ምትእስሳርን ዝምስክርን ዘረጋግጽን ብምዃኑ፡ ኣዚና ተሓቢንናን ኮሪዕናን ኢና።

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ኣብ ትሕቲ ብሱል ኣመራርሓኹም፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት – ክልቴና ናብ ዕድል ብምቕያር፡ ሓቢርና ናብ ብልጽግና ንምርሸላ ከምእትኸውን ፍጹም ኣይጠራጠርን።

ክልቴና ኣዝዩ ጠቓሚ ምይይጥ ኢና ኣካይድና። ክልተኣዊ ርክባት ኣብ ምሕያል ብዝለዓለ ከምእንሰርሕ እውን ብልቢ ተረዳዲእና። እዚ ታሪኻዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ እውን ኢዩ። ጽባሕ ኣብ እንሃንጾ ብሩህ መጻኢ ክልቲአን ሃገራት – ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ ብምዃኑ።

ከም ክልተ ኣሓት ሃገራት ክልቴና ተመሳሳሊ መረዳእታ ስለ ዝጸንሓና እውን፡ ኣብ ዞባና ከም መሻርኽቲ ጥራይ ዘይኮነ – ሓድሕድ እንደጋገፍን እንመላላእን ምዃንና ኣጸቢቕና ኢና እንፈልጥ። ብተወሳኺ እውን፡ ክልቴና ኣብ ዓውድታት ጸጥታ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ ውህደትን ርግኣትን ክንሰርሕ ኢና። ኤርትራን ሶማልን ኣብ ተመሳሳሊ ብድሆታት ዝተጸምዳ ከም ምዃነን መጠን፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰን፡ ካልኦት ምዕራፋት ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ብምሕያል፡ ንሃገራትና ዘርብሕ ስራሕ ክንፍጽም ኢና። እዚ እነካይዶ ምድግጋፍን ምትሕብባርን፡ ክልቲአን ሃገራትናን ህዝብታትናን ብሓባር ዝጓዓዙሉ፡ ናይ ሓባር ዕብየት ዝንጸባረቐሉ፡ ኣብ መጻኢ እውን ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ሓዪሉ ባንዴራታት ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ኣብ ዘንጊ ሓቂ ተሰቒለን ዘንበልብላሉ፡ ህዝብታትናን ፍርያትናን ብናጻ ካብን ናብን ዝንቀሳቐሰሉ ባይታ ከጣጥሕ ኢዩ። ነዚ፡ መንግስቲ ሶማል ብዕቱብ ዝተበገሰሉን ንምትግባሩ ብልቢ ዝጽዕተሉን እዩ።

ክቡር ፕረዚደንት

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ንድግፎን ብልቢ ነድንቖን። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ከምዝረብሕ ጥርጥር የብለይን።

ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ኣገዳስነት ስለዘለዋ፡ ክቡር ፕረዚደንት- መንግስተይ ምስ መንግስትኹም ሓቢሩ ንኽሰርሕ ዘለዎ ቅርቡነት ደጊመ እገልጽ። እዚ ድማ፡ ንህዝብታት ናይዚ ዞባ እውን ከም ዘርብሕ እኣምን።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተስገዲዱ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍ ክለዓል ንጽውዕ። እዚ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ቁጠባዊ ርግኣትን ውህደትን ኣብ ምርግጋጽ፡ ዘለዎ ጸላዊ ግደ ከስምረሉ እደሊ። ንናይ ክልቲኡ ህዝብታትና ናጻ ምንቅስቓስን፡ ንናይ ንግዲ ኣቑሑትና ምልውዋጥን ዝያዳ ውሕስነት ስለዝፈጥር ከኣ – ብቕልጡፍ ክትግበር ንጽውዕ።

ደጊመ ንኩሉኹም ብልቢ አመስግን የቐንየለይ።

Categories