ክቡር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ሶማል

ክቡራት ኣባላት ልኡኽ

ብስም ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፤ ኣብ ገዛኹም ኣርሕቡ ክብል ዝስምዓኒ ባህታ ዓቢ እዩ።

ናይ ህዝቢታት ኤርትራን ሶማልን ዝምድና፣ ቅድሚ ምቕልቃል መግዛእቲ ምዕራብ፣ ብናይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ደሴት ዓረብን፣ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃን ስልጣኔታት (civilizations) ዝተጠናነገ’ዩ። ድሕሪ ምቕልቃል መግዛእቲ ምዕራብ፣ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ተቓውሞታት ዕብለላ፣ ሌላን ምሕዝነትን ክልቲኣቶም ህዝቢታት ተደሪዑ እዩ። ድሕሪ ምዝርዛር መግዛእቲ፤ ኣብ እዋን ዝሑል ኩናት፤ ዝምድና ህዝቢታትና ዝበረኸ ፍሉይ ምሕዝነት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኪበሃል ምብቅዑ ኸኣ፤ ዘሐብን ታሪኽ’ዩ። ኣኽብሮት ህዝቢ ኤርትራ ንሓው ህዝቢ ሶማል ከኣ፣ ኣብዚ ዓሚቝ ሕውነታዊ መረዳእታ ዝተሰረተ እዩ።

ክቡር ፕረዚደንት

ክቡራት ልኡኻት/መሰነይታ

ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኩናት፤ ኣብ ዞባና – ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ መስርሕ ሃገር ምህናጽ (nation building) ኣብ ሃሃገራትና እናሰላሰልና፣ ንእስትራተጂያዊ ዞባዊ ጥምረት (integration) ምሹእ ዕድል ተፈጢሩ ኣብ ዝተባህለሉ፤ ዘጋጠመ መሰናኽላት፣ ዓቢ መለበሚ’ዩ ነይሩ። ክንዲ ህንጸት ሃገር፣ ብኤትኒካዊን እንዳዊን ምግምማዕ – ዕንወት፤ ክንዲ ቁጠባዊ ልምዓትን ራህዋን፣ ብግዳማዊ ዝምታን ውሽጣዊ ስርቂን – ድኽነትን ጥምየትን፤ ክንዲ ናጻን ልዑላዊን መንግስቲን ትካላትን፣ ብመተካኣታ UNን NGOታትን – ‘ማይክሮ’ ምሕደራ ስርዓት-ኣልቦነት፤ ክንዲ ዞባዊ ሽርክነትን ጥምረትን – ቅልውላዋት ዶባትን ምትሕንዃላትን፤ ክንዲ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ብውሽጣዊ ዓቕሚታት – መወዳእታ ዘይብሉ ቅልውላዋት “ዓቀብቲ ሰላማት”፤ . . . ወዘተ…ወዘተ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝበለ ሕምሩግ ኩነታት፤ ብሽፋን ሃይማኖታት፣ ናይ ምትእትታዋትን ምስፍሕፋሕን ዞባዊ ኣጀንዳታት ምድፋእ፤ . . . ኩሉ ዓይነት ጥሩፍ ጥንቈላዊ ባህሊታት ምምራዝ፤ ሽበራን ቀርሰናን፣ ንግዲ ፍልሰት፣ ንግዲ ኣጽዋርን ሓሺሽን ምንጋስ፤ ከም ንቡር (norm) ወይ ዋኒን-ከም-ልሙድ (business as usual) ተወሲዱ፤ ወግሐ-ጸብሐ፣ ብመደበራት መናፍሕ ሓሶት ዝጋዋሕ ዜና’ዩ። እዚ ብዝምቡዕ ፖሊሲታት ሓያላን ዝምእዘዝ ኣሰካፊ ምዕባለታት’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን፤ ብዘይ ሓንካሪ ጸይቂ ዘቤታውያን ተዋሳእቲ፣ ክውን ኪኸውን ኣምበይምኸኣለን።

እዚ ናይ ቅልውላዋትን ግጭትን ዘይርግኣትን ዕንወትን መዋእል፣ ዘላቒ (sustainable) ኪኸውን ስለዘይክእል ግን፣ ናብ ምኽታም ገጹ ይኸይድ ስለዘሎ፤ ኣብ ናይ መቐይሮ መድረኽ ንኣቱ ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ በደልን ቀጻሊ ጸቕጢታትን፤ ከይተሰነፈ ጸኒዑ ንኹሉ ሽርሒታት መኪቱ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንፖለቲካ ኤትኒካዊ ምግምማዕን ሞግዚትነት ባዕዲን ወጊድ ኢሉ፣ ናብ ቅኑዕ ሃገራዊን ዞባዊን መኣዝን፣ ብሓያል ምረሻ ይግስግስ ኣሎ። ህዝቢ ሶማል’ውን፤ ከም ወትሩ፡ መጓዕዝቲ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝኸውን ርጉጽ እዩ።

ክቡር ፕረዚደንት

ኣብዚ ሓቢርና ነጸጽዮ ዘሎና ባይታ፣ ህዝቢ ሶማል፡ ወሳኒ ኣበርክቶ ኪገብር ከምዝኾነ፣ ዘሎኒ እምነት ደጊመ እናረጋገጽኩ፤ ኣብ ኩሉ ክልተኣዊን ዞባዊን፤ ቁጠባዊን ድሕነታዊን ሽርክነትና ይኹን መኸተ፣ ንእተካይዶ ዕቱብ ጻዕሪታት፣ ምሉእ ዓወት እምነየልካ።

ምስ ምስጋና

Categories