ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ምስኡ ዝመጸ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሶማልያን፡ ብ28 ሓምለ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

እቲ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ዝተኻየደ እንግዶት፡ ንባህላዊ ጸወታታትን ኣልባሳትን ብሄራት ኤርትራ ብዘላሊ መሰናድኦ ዝተሰነየ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ምስኡ ዝመጸ ልኡኽን “ናብ ቤትኩም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ታሪኻዊ ምትእስሳር ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን፡ ምስ’ቲ ቅድሚ ምዕራባዊ መግዛእቲ – ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ደቡባዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝዓምበበ ጥንታዊ ስልጣነታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ምምጻእ ምዕራባዊ መግዛእቲ ድማ እቲ ዝምድናን ሕውነታዊ ምሕዝነትን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቃልሲን ተቓውሞ ኣንጻር ምግባትን መድረኻት መሊሱ ከምዝደልደለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ብግደኡ፡ ንዓኡን ምስኡ ዝመጸ ጉጅለ ልኡኽን ንዝተገብረ ህዝባውን ወግዓውን ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ እዚ ዑደት፡ ንክልቲአን ሃገራትን ኣሕዋት ህዝብታተንን ዓቢ ታሪኻዊ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊጹ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓደ ዞባ ብምህላወን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንኽተሓጋገዛን ንኽመላልኣን ዓቢ ዕድል ምዃኑ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ብዛዕባ’ዚን ኪኖኡ ዝኸይድ ዛዕባታትን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓሚቚ ሕውነታዊ ዘተ ከምዘካየደ ሓቢሩ። (ምሉእ ትሕዝቶ መደረታት ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ኣብ ገጽ 3 ረአ)

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ብ28 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ’ዩ ኣስመራ ኣትዩ።

ሚኒስተር ዜናን ባህልን ቱሪዝምን፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ፡ ሚኒስተር ህንጻ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ሓቢሮም መጺኦም ነይሮም።

Categories