ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ብ29 ሓምለ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ኣብ ዲጋታት ጠቐራ፡ ምስላምን ደማስን ንዝትግበር ዘሎ፡ ብቐንዱ ኣብ ምኽዛን ማይ፡ ምውዳድ መደበራት ምምንጫው ጸሓያዊ ጸዓት፡ ምርባሕ እንስሳታት ዘጠቓልል ስትራተጂካዊ መደባት ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ’ቲ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታትን መብርሂ ተዋሂቡዎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ኣብ’ዚ ናይ ኣስታት 10 ሰዓታት ብመካይን ዝተኻየደ ዑደቶም፡ ነበርቲ ናይተን ሰንጢቖምወን ዝሓለፉ ዓድታትን ከተማታትን – ድባርዋ፡ ገርገራ፡ ኮርባርያ፡ ደቀምሓረ፡ ማይ-ሓባር፡ ለዓይተን፡ ነፋሲት፡ እምባትካላ፡ ጊንዳዕ፡ ደንጐሎን ጋሕቴላይን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ብፍላይ ነበርቲ ነፋሲት፡ እምባትካላ፡ ጊንዳዕ፡ ደንጐሎን ጋሕቴላይን ብብርቱዕ ዝናብ ተሰንዮም ንኣጋይሾም ዝገበርዎ ውዕዉዕ ኣቀባብላ፡ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣብ’ቲ ዑደት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ሪፓብሊክ ሶማልያን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories