ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ 28 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ኣትዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ሶማልን ከምኡ’ውን ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ብምውጻእ፡ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ባንዴራታት እናኣንበልበለ ውዕውዕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ካብ መካይኖም ብምውራድ፡ ነቲ ኣብ ስነስርዓት ምቕባል ዝነበረ ህዝቢ ሰላምታ ለጊሶምሉ።

ሚኒስተር ዜናን ባህልን ቱሪዝምን፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ፡ ሚኒስተር ህንጻን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ሓቢሮም መጺኦም ኣለዉ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልትታት፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ – ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታትን ክመያየጥ እዩ። ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ መግለጺ እውን ክወጽእ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ ቦታታት ዑደት ክገብር እዩ።

Categories