ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቕሚ ሞያውያንን ናውቲ ስራሕን በብመድረኹ እናማልአ፡ ጥዕና ነበርቲ ንምውሓስ ሓይል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ፡ ገስጋስ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ንምግምጋም ብ20ን 21ን ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ምክልኻል ለበዳዊ ሕማማት፡ ክታበት ኣደን ህጻንን፡ መሰረታዊ ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ምቊጽጻርን ምግታእን ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ምክትታል ጥዕና ኣደን ህጻንን ናይ ዝተሳለጡ ንጥፈታት ጸብጻባት ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት፡ ቊጽሪ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ኣደታት ብመንጽር ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክረአ እንከሎ – ብ8 ሚእታዊት፡ ሸፈነ ክታበት ኣብ ህጻናት – ብ1 ሚእታዊት፡ ኣብ ኣደታት ከኣ ብ3 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ክግለጽ እንከሎ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ካብ ምቊጽጻር ናብ ደረጃ ምግታእ ይሰጋገር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሜዲካል ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ተስፋይ ተስፋጼን፡ ኣብ ዳህላክ፡ ገልዓሎን ፎሮን ዘሎ ሕጽረት ሰብ-ሞያን ላቦራቶሪን ክፍታሕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንነበርቲ ኣዶብሓ፡ ናቕፋ፡ ቅሮራን ኣፍዓበትን ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ መብጣሕቲ ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ከምዝጅምር ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንዝበረኸ ውጽኢት – ዝግበር ጻዕሪ ብውህደት ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories