መበል 17 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ21ን 22ን ሓምለ፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ብልዑል ማዕርግን ዕዙዝ ሱታፌን ተኻዪዱ።

እቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ኤርትራውያንን ዕድመ ዝተገብረሎም ዲፕሎማሰኛታትን ዝተሳተፍዎ ዓመታዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ሰሚናር ብኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ብማሕበር ተጋደልቲ ዝተዳለወ ምርኢት ቅዲ ሑጻ፡ ባዛር፡ ስእላዊ ኤግዝቢሽን፡ ምርኢት ባህላዊ መግብታትን ኣልባሳትን፡ ከምኡ’ውን ስፖርታዊ ውድድራት ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ትስፉው መድረኽ ሰላም ምክያዱ ፍሉይ ርዝነት ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ ንእዋናዊ ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራውን ዞባውን ኩነታትን ተራ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኣብ መደባት ልምዓትን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሽማግለ በዓላት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ምሉእብርሃን በርሀ ድማ፡ ንትርጉም ፈስቲቫል ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ተራኡ ኣብ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ክብርታትናን ታሪኽናን ናብ ሓደስቲ ወለዶታትና እነሰጋግረሉን ሓድነትና እነጽንዓሉን ስለዝኾነ፡ ብዝለዓለ ውዳበ ክቕጽል ዝግብኦ’ዩ” ኢሉ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን-ብሪጣንያውያን ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ማሕሙድ ብወገኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ኣማቲ መጻኢ ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ራኢኦምን ራኢ ሃገሮምን ብውፉይ ስራሕ ንምስማር ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories