ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ነቲ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኣዋጅ ‘ሰላምን ምሕዝነትን’ ድማ ብቐንዱ ዝድግፍ ሰልፊ ብ22 ሓምለ ኣካይዶም።

ኣብ’ቲ ብኤምባሲታት ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ዝተወደበ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣስታት 3000 ዜጋታት ክልተአን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ብዘይ ሳልሳይ ኣካል ዝወሰድዎ ተባዕን ታሪኻውን ተበግሶ፡ ነቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ጋሪዱ ዝጸንሐ ጸሊም መጋረጃ ዝተርብዐ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ታሪኻውን ሕውነታውን ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣበርክቶ ክገብሩ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ንዝኸሰራኦ ዕድላት፡ ብስኒት፡ ስራሕ፡ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ንምምላስ ምስምምዐን፡ ንካልኦት ኣብነት ስለዝኾነ፡ “ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዮሃና” ኢሉ።

ኣምባሳደር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ ፍስሃ ሻውል ብወገኑ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ምምላሱ፡ ኪኖ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ንዞባና ብሓፈሻ ብእወታ ዝጸሉን ንዝሰፍሐ ምትሕብባር ባይታ ዘርሑን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ካብ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ዝቐጸለ ናይ ደገፍ ሰልፊ፡ ሸፈነ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከምዝረኸበ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories