ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ንዝነጥፉ 40 ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ካብ 9 ክሳብ 14 ሓምለ ኣብ ከተማ ድባርዋ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣገልግሎታት ወሊድ፡ ሕክምና ዓይኒን ስኒን፡ ክንክን ዕሸላትን ህጻናትን፡ ፍወሳን ኣተኣላልያን ሕሙማት፡ ከምኡ’ውን ስነ-ምግባር ሕክምና ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ኢሳቕ ተኽለ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ብዝተፈላለየ ዓውዲ ሕክምና ዘገልግሉ ሞያውያን ኣፍልጦኦም ንምስፋሕን ብቕዓቶም ክብ ንምባልን ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ዝርአ ድኽመታት ንምውጋድ ሓጋዚ ክኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ንፍልጠቶምን ናይ ስራሕ ተመኲሮኦምን ዘሐይል ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ዝሓበሩ ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሞያ ሕክምና ቀጻሊ ምሕዳስን ስልጠናን ዘድልዮ ዓውዲ ስለዝኾነ፡ ተመሳሳሊ ስልጠናታት ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories