ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈትን ዞባታትን ንዝተዋጽኡ 144 ኣባላቱ፡ ምምሕዳራዊ ዓቕሞም ክብ ንምባል ዝዓለመ – ኣብ ሰለስተ እብረ ዝተዋህበ ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ዋኒንን ቤት-ጽሕፈትን፡ ከምኡ’ውን ምውጣን ፕሮጀክትን ምሕደራኡን ዘተኰረ እዩ።

ብ16 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምምራቕ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና – ኣካል ናይ’ቲ ብኽነት ዓቕሚሰብ ብምውጋድ፡ ስሉጥን ኣድማዕን ስራሕ ንምዕማም ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓደስቲ ኣባላት ንዝተመደቡሉ ቦታ ስራሕ ከም ቤት-ትምህርቲ ወሲዶም፡ ካብ ነባራት መሳርሕቶም ዝድለ ብቕዓትን ተመኵሮን ክድልቡን፡ ተገዳስነቶም ከዕብዩን ተላብዩ።

ሰልጠንቲ ኣቐዲሞም፡ ዝወሰድዎ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ብግብሪ ንምድራዕ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ከምዝጸንሑን፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታትን ካልእ ናይ ሚኒስትሪ ጠለባትን ዝምስገን ኣበርክቶ ከምዝገበሩን ተፈሊጡ።

ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያምን፡ ኣብ’ቲ ማእከል ኣወሃሃዲ ፕሮጀክትታት ኣቶ ታደሰ በየነን ብግደኦም፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ብግብሪ ክትርጒሙን ብዝተወደበ መልክዕ ናብ መሳርሕቶም ከመሓላልፍዎን ተላብዮም።

Categories