መበል 100 ዓመት ዕለተ-ልደት መራሒ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ-ነበር ኔልሰን ማንዴላ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 18 ሓምለ ኣብ ንኡስ ዞባ ፓራዲዞ – መባእታ ቤት-ትምህርቲ ሕውየት ፈልሲ ኣግራብ ብምትካል ተዘኪራ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ሚስ ቶኮዚለ ማቶክወኒ ሲፓምላ ኣብ ዘቕረበቶ ሓጺር ታሪኽ ቃልሲ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ ድሕነት ኣከባቢ ኣዝዩ ግዱስ ብምንባሩ፡ ነታ ንዝኽሩ ዝተወሰነት ዕለት ፈልሲታት ብምትካል ምዝካራ፡ ኣሰሩ ምኽታልን ሕድሩ ምትግባርን ስለዝዀነ፡ ሓጐሳ ወሰን ከምዘይብሉ ገሊጻ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ማንዴላ፡ ወትሩ ብህዝባዊ ንጥፈታት ክትዝከር ሕቡራት መንግስታት ከምዘተሓሳሰበ ዝጠቐሰት ተጸዋዒት ትካል ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ኒጎንጊ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሽፋን ኣግራብ ናብ ንቡር ንምምላስ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ኣብ’ቲ ብምኽንያት ‘መዓልቲ ማንዴላ’ ዝተኻየደ ምትካል ኣግራብ ንዝተሳተፉ ኣመስጊና።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ብግደኡ፡ ‘መዓልቲ ማንዴላ’ ብምትካል ኣግራብ ምዝካራ ዝምስገን ስጒምቲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ-ሰብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽረጋገጽ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ፡ ቃልሱ ድማ ክንዮ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት’ውን ጽልዋን ባና ተስፋን ዝፈጠረ ምዃኑ ገሊጹ።

ብ18 ሓምለ 1918 ዝተወልደ ብ‘ማዲባ’ ዝፍለጥ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዓሌታዊ ስርዓት ‘ኣፓርታይድ’ ብዘካየዶ ቃልሲ፡ ከምኡ’ውን ካብ 1994 ክሳብ 1999 ናይ ፈለማ ጸሊም መራሒ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ብምብቅዑ፡ ኣብ ሃገሩ ከምኡ’ውን ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 እዩ ዓሪፉ።

Categories