ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ትማሊ 14 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን፡ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

እዚ ንምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ስዒቡ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራትን መራሕቲ መንግስታትን ዝካየድ ዘሎ ርክብ፡ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ምዕራፍ ዘበስር ፍሉይን ታሪኻዊን ፍጻመ ብምዃኑ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ባንዴራታት ክልተአን ሃገራት እናንበልበለ ኣብ ጐደናታት ብምውጻእ፡ ውዕውዕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ መጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ረሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊሽ ተኽለሚካኤልን ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነን ካልኦትን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ምድንፋዕ ናይ’ዚ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ሰላምን ምሕያል ኩለንትናዊ ክልተኣዊ ዝምድናን ዘተኰረ ርክብ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበሮ ዕድመ መሰረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ብ8ን 9ን ሓምለ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተኲናት ኣኽቲሙ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ከምእተራሕወ፡ ክልተኦም መንግስታት – ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሰጒምን ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ክሰርሑ ምዃኖም፡ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ናይ መጓዓዝያ፡ ንግድን ቴለኮሙኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅመርን ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስን፡ ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ክልተአን ሃገራት ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ኣዋጅ ከምዝኸተሙ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም፡ ትማሊ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ-ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ሚኒስተራት ኣፋንዮምዎ።

Categories