መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ መኽፈቲ ሻሙናይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያትን፡ “መንእሰይ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ 13 ሓምለ ኣብ ሃገራዊ ማእከል ትምህርትን ስልጠናን ሳዋ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ሚኒስተራት፡ ኣዝዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ካብ ውሽጥን ወጻኢን ዝመጽአ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ናጽነቶም ኣብዒሎም ታሪኻዊ ኪዳኖም ኣሐዲሶም፡ ብፍስሃን ቆራጽነትን ብሓባር ንሓባራዊ ራህዋን ቅሳነትን ክምርሹ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን ብምክያዱ መቐረቱ ፍሉይ ምዃኑ ገሊጹ።

ተመረቕቲ 31 ዙርያን ታሽዓይ ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናን ድማ፡ ኣእምሮኦም ቃንዮም ትምህርቶምን ፍልጠቶምን ስሒሎም፡ ዕጥቆም ሸጥ ኣቢሎም ምስ ዝዓዩ ዓወቶም ናይ ግድን ምዃኑ ኣዘኻኺርዎም።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ብግዲኡ፡ ተመረቕቲ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን 8 ኣዋርሕ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዝተረፋ 4 ኣዋርሕ ድማ ግቡእ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ከምኡ’ውን ስነምግባርን ኣካላዊ ህንጸትን ዘጠቓለለ ስልጠና ከምዝቐሰሙ ብምሕባር፡ 97.2 ሚእታዊት ዝተመደበሎም ስልጠናታት ብዝግባእ ክዛዝሙ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 2.8 ሚእታዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከምዘቋረጹ ኣብሪሁ።

ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠና መምህር ተስፋይ ተወልደ ድማ፡ ታሽዓይ ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ብ11 ዓውድታት ንክልተ ዓመታት ዘሰልጠኖም 553 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1127 ከምዘመረቐ፡ ሓደስቲ ሓሙሽተ ዓውድታት ድማ ሎሚ ዓመት ከምዝጀመራ ጠቒሱ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ እቲ ማእከል ምሉእ ብምሉእ ዘመናውን ምዕቡልን መሳርሒታት ዓጢቑ ብቕዓቱ ዝሓለወ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ድማ፡ መንእሰይ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ብዝለዓለ ወንን ናህሪን ክገጥሞ ዘኽእሎ ትምህርቲ፡ ንዘዋህለሎ ፍልጠት ብግብራዊ ስራሕ ከሰንዮን ከዕብዮን ዘኽእሎ ናይ ስራሕ ባይታ ከምዘድልዮ ብምዝኽኻር፡ ሕጂ’ውን ሓድሽ ናይ ልምዓት ታሪኽ ከምዝደግም ኣረጋጊጹ።

ተመረቕቲ ብባንድ ምረሻ ተሰንዮም ንዝቐሰምዎ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዘንጸባርቕ ምርኢት ከቕርቡ ከለዉ፡ ሕድሪ ሰማታት ብምትግባር፡ ንሃገሮም ብምሉእ ዓቕሞምን ተወፋይነትን ከገልግሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቦምን መንግስቶምን ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም።

ተመረቕቲ ማእከል ሞያዊ ስልጠናን፡ ኣብ ኣካዳሚያዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠናታት ጸብለልታ ዘርኣዩ ኣሃዱታትን፡ ኣለይቲን መምህራንን ዝተዳለወሎም ሰርቲፊኬትን ሽልማትን ካብ ኢድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ተቐቢሎም።

Categories