ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝተኸስረ ዕድላት ንምምላስ ብዝሓየለ ክሰርሑ ዘኽእሎም ባይታ ንምስፋሕ – ብዝለዓለ ክዕየየሉ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ዝገለጸ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጽኡ ተሳተፍቲ 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሳዋ ሰሚናር ኣብ ዘካየደሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንትግባረ ናይ’ቲ ሓባራዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወቶም ንምምዕባል ዘካየድዎ ጻዕሪ፡ ኩሉ ኣፍደገ መራኸቢታት ክኽፈት ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ግብራዊ ስጉምትታት ይውሰድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ወያነ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸወታን ኣሽካዕላልን ኣኽቲሙ እዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሱ ዝፈጠሮ ሓድጊ ንምጽራይን ፖለቲካዊ ሕጽቦ ንምክያድን ግን፡ ዕቱብን ንቑሕን ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ – ንዘለዎ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ንጹርነት ዘመጐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘርብሕ ኣካዪዳ ከምዝኽተልን ኣብ ልዕሊኡ ምሉእ እምነት ከምዘለዎን ኣረጋጊጹ።

ዞባና ኣብ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ስለዝኣተወ ንድሕሪት ንጥምተሉ ኲነታት ከምዘየለ ብምንጻር፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ – ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኽ ሰላም፡ ዘላቒ ልምዓትን ብልጹግ ሕብረተ-ሰብን ኣብ ምህናጽ ከውዕልዎ ብዓጸፋ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Categories