ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ – ምምሕዳር ከባቢ ኩዶፈላሲን ካልኦት ከባቢታትን፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክካየደሉ ኣብ ዝጸንሐ ልዕሊ 47 ሄክታር መሬት፡ 60 ኩንታል ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ተዘሪኡ።

ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ መንደፈራን እምኒ-ሓይልን ተፈቲኑ ካብ ሄክታር ልዕሊ 20 ኩንታል ዝተሓፍሶ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ሎሚ ዓመት እውን ዝያዳ እቶት ንኽሕፈሶ 60 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ንሓረስቶት ተዋሂቡ።

ተጠርኒፎም ብወፈራዊ መልክዕ ኣብ ግራውቶም ኣድላዪ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከካይዱ ዝጸንሑ ሓረስቶት፡ ዕላማ’ቲ መደብ እቶቶም ንምዕባይ ብምዃኑ ሓንጎፋይ ኢሎም ከምዝተቐበልዎ ጠቒሶም፡ ንነፍሲ-ወከፎም ዝተዋህቦም 25 ኪሎ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ምስ’ቲ ኣዳልዮምዎ ዝጸንሑ መሬት ስለዝወሓዶም ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘርኢ ክውስኾም ሓቲቶም።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ነቲ ስራሕ፡ ሞያዊ ምኽሪ ዝህቡ ክኢላታት ሕርሻ ኣዋፊሩ ይከታተሎ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories