ኣብ ሆላንድ፡ ስዑዲ ዓረብን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ በብወገኖም ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ብመንገዲ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ፈይስቡክ’ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ 2017 ኣብ ሰማእታቶም ዘለዎም ክብርን ፍቕርን ንምግላጽ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ሎሚ ዓመት እውን ኣብ ምስሳን ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል ልዕሊ 16 ሽሕን 600 ዩሮ ኣበርኪቶም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደማም – ስዑዲ ዓረብ፡ 3ይ ጉባኤኡ ብምቅናዕ – ንጥፈታቱ ገምጊሙን ምርጫ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ኣካዪዱን።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ደማም ኣቶ ሓሰን ማሕሙድ፡ ጥርናፈን ምትእስሳርን ብምሕያል – ብድሆታት ስደት ብሓባር ኣብ ምግጣም ተራ ማሕበረኮም ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ 6 ወርሒ ገምጋማዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ንጥፈታቱን ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገራዊ መደባትን ንምዕዛዝ ዝሕግዞ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ እቶም መንእሰያት ብሃገራዊ ክብርታት ተዀስኲሶም ንኩሉንትናዊ ምዕባለ ሃገሮም ምእንቲ ክሰርሑ፡ ኤምባሲ ምድግጋፉ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

Categories