ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ – ሊባን፡ ሓበላ፡ ቀራና-ዂዶ፡ ዴዳ፡ ጽላለ፡ መቐርካ፡ ደቂ-ሸሓይ፡ ደብሪ ዓዲሓንስ፡ ምለዛናይ፡ ዓዲ ንኣምን፡ ደቂ ዘርኡ፡ ደርሰናይን ኣደናን፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባብበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ምክትታል ፕሮጀክትታትን ምምሕዳራት ከባቢን ኣቶ እያሱ ሃይለ፡ ቅድሚ ምርጫ ንህዝቢ ብዛዕባ ኣገባባት ናይ’ቲ መስርሕ እኹል ሓበሬታ ከምእተዋህበ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ምርጫ ብጽቡቕ ከምእተሰላሰለ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስ ብ8 ሓምለ ኣብ መቐርካ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ዝስመዖ ቃል፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ብግቡእ ተወዲቡ ልምዓታዊ ወፈራታት ብሓፈሻ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ድማ ብፍላይ ከደንፍዕ ተላብዩ።

እቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ነቲ ህዝብን መንግስትን ዘሰከሞም ሓላፍነት ብቕኑዕ መንፈስ ከተግብሩ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories