ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ጋሽባርካ፡ ኣባላቱ ደገፍን ዕድላትን ረኺቦም መነባብሮኦም ከመሓይሹ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ን59 ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላቱ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ሂቡ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሽምወለ ወልደገርግስ፡ እቲ ልቓሕ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝምለስ ኮይኑ፡ ንነፍሲ-ወከፈን 12 ሽሕን 500ን ናቕፋ ከምእተዋህበ ገሊጹ። ዕላማኡ፡ እተን ሓርበኛታት ሰሪሐን ማሕበረቊጠባዊ ህይወተን ዘመሓይሻሉ ባይታ ንምፍጣር ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ንምስማሩ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ተላብዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኢዮብ ኪዳነ ብወገኑ፡ ንጽጉማት ወገናት ብሓፈሻ፡ ንስንኩላን ሓርበኛታት ድማ ብፍላይ ዝግበር ሓገዛት፡ ጻዕሪን ትግሃትን ተወሲኽዎ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እተን ሓርበኛታት፡ ብዝተዋህበን ካብ ወለድ ናጻ ዝኾነ ልቓሕ ሰሪሐን መነባብሮአን ንምምሕያሽ ኣበርቲዐን ከምዝሰርሓ ገሊጸን።

Categories