ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ዓመታዊ ፈስቲቫሎም ካብ 6 ክሳብ 8 ሓምለ ኣብ ከተማ ሮተርዳም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ኣካዪዶም።

እቲ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል፡ ኣብ እዋናዊ ኲነታት ሃገርን ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መደባትን ዘተኰረ ሰሚናራት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዘጠቓለለ ነይሩ።

ቈንስል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ፡ ዓመታዊ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ጥምረት ኤርትራውያን ዝሕይለሉ፡ ናይ እሂን ምሂን ዕድላት ዝሰፍሓሉ፡ ከምኡ’ውን ሃገራውን ሕብረተሰባውን ክብርታት ዝዕቀበሉን ዝወራረሰሉን ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውፉይን ዓቃልን ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ተስፋ ኣብ ዝወለደሉ ይካየድ ምህላዉ ፍሉይነት ኣለዎ” ክብል ገሊጹ።

ራእይ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ድልዱል ሰረት ዘንጸፈ ማሕበረ-ቊጠባዊ ብልጽግና ዘለዋ ሃገር ምውናን ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ሰለሙን፡ ነዚ ብኣድማዕነት ንምስማር፡ ዜጋታት ሞያውን ቊጠባውን ዓቕምታቶም ብምዕባይ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ “ቢሻ”፡ ኣብ ሆላንድ ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ብምውህሃድ ብዘቕረበቶ ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላ ከምዝማዕረገ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories