ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብዝኸተማኦ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ መሰረት፡ ኣገልግሎት ቴለፎን ብቕጽበት ክጅመር እንከሎ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ – ኣስመራ በረራ ክትጅምር ምዃና ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ 8 ክሳብ 9 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ መጐዓዝያ፡ ንግድን ቴለኮሚኒኬሽንን ርክባት እንደገና ኪጅመር ተሰማሚዖም እዮም።

ብመሰረት’ዚ ስምምዕ ድማ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝመጽእ ረቡዕ 18 ሓምለ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎታ ዳግም ክትጅምር እያ።

ምጅማር ናይ’ዚ ኣገልግሎታት፡ ተራሕዩ ንዘሎ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ዘገልግል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ክልቲኦም መንግስታት – ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን ኩሉ-መዳያዊ ጥቡቕ ምትሕብባር ክገብሩ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብ9 ሓምለ 2018 – ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሽተ ነጥብታት ኣብ ዘጠቓልል ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ክታሞም ከምዘንበሩ ይዝከር።

Categories