ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሮራ ዲጂታል ቤት-ንባብ ብምትሕብባር ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ 70 ሚእታዊት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብቲ ዞባ – ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ዲጂታዊ ቤትንባብ ኮይነን።

ሓላፊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ’ቲ ዞባ መምህር ስዒድ ሳልሕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳላ ዝርጋሐ ዲጂታዊ ኣብያተ-ንባብን ውሕስነት ጸዓትን፡ ከምኡ’ውን ንኣጠቓቕማ ዝምልከት ስልጠና፡ ተጠቃምነት’ቲ ቴክኖሎጂ እናማዕበለን እናሰፍሐን ከምዝመጸ ገሊጹ።

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እማህሚመ፡ ቃምጨዋ፡ ባዳን ሽዕብን፡ እተን ዛጊት ተጠቀምቲ ዘይኮና ምዃነን ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቀዳምነት ከምዝወሃበን ሓቢሩ።

ተጠቃምነት ተመሃሮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን ንምርግጋጽ ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣገልግሎት ዲጂታዊ ኣብያተ-ንባብ ናብ ማእከላይ ደረጃ ንምብጻሕ’ውን ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories