ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብ8 ሓምለ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ርክብ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ንክልቲኤን ሃገራትን ኣሕዋት ህዝብታተንን ኣብ ዘገድሱ ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቊጠባውን መዳያት ብሰፊሑ ተመያዪጦም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ትማሊ 9 ሓምለ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ኣውጺአን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ኣብ ክንዲ ሃገረ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክንዲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክታሞም ኣንቢሮምሉ። (ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ሳጹን ረአ)

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ርክብ፡ ንድሕሪት ከይጠመትካን ብዛዕባ ዝሓለፈ ክሳራ ከይጉሃኻን ከይተጠዓስካን ኣብ ሓጺር ግዜ እወታዊ ለውጢ ብምምዝጋብ፡ ኣብ መድረኽ ልኡላውነት፡ ሕጋውነት፡ ማዕርነትን ናይ ሓባር ረብሓን ዝምርኰስ ሃዋህው ምፍጣር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ትስፍው ሃዋህው መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ መዋእል ንምምጻእ ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ከቢድ ዋጋ’ዩ ከፊሉ። እዚ ዘይድለን ዘይትጽበዮን’ኳ እንተኾነ፡ ንሰላም ዝኽፈል ዋጋ ግን ሓላል’ዩ” ዝበለ ኣቶ የማነ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኽ ብዘይ ሳልሳይ ኣካል – ብናይ ክልቲኦም መራሕቲ ድሌትን ተበግሶን ይፍጸም ብምህላዉ፡ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ክቡርን ረዚንን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣቶ የማነ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓያል ጽንዓትን ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቃልሲ ንለውጢን ዝመጸ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝሓለፈ መድረኽ ንናይ መጻኢ ጉዕዞና ድሮ ኣነጺርዎ ከምዘሎ፡ ናይ ሰላም፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ምዃኑ ኣነጺሩ።

Categories