ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ዜጋታት ንስድራ-ስዉኣት ብመልክዕ ሓገዝ ዘበርከትዎ – ልዕሊ 37 ሽሕ ናቕፋ፡ ነንዝምልከተን ስድራ-ቤታት ተዋሂቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ኣብርሃ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታት ዝሰደድዎ 32,550 ናቕፋ ን13 ስድራ-ስዉኣት ክዕደል እንከሎ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ – ብምኽንያት 20 ሰነ ዘበርከትዎ 4,500 ናቕፋ ድማ፡ ንጽጉማት ስድራ-ስዉኣት ተዋሂቡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዓድታት በብወገነን ንስድራ-ስዉኣት ኣብ ሕርሻን ካልእ ጉልበት ዘድልዮ ንጥፈታትን ከም ዝደጋገፍኦም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories