ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 1 ሓምለ ኣብ ከተማ ሚላኖ ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ።

ኣብ’ዚ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ – ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ ዝኸፈቶ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ዝመጹ ኤርትራውያን፡ መሓዙት ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ካልኦትን ከም እተሳተፉ፡ ኮሚተ ሚድያን ዲፕሎማስን ሓቢራ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ንዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓትን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ተበጺሑ ንዘሎ ምዕባለን ዘንጸባርቕ፡ ከምኡ’ውን ንከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ‘ዩኔስኮ’ ከመዝግባ ዝኸኣለ ታሪኻዊ ህንጻታት ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት፡ ካብ ተሳተፍቲ ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ንህሉው ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ገስጋሳት ሃገርና ብዝምልከት፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡን ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡን።

ብዘይካ’ዚ፡ መንእሰያት ህግደፍ ኢጣልያን ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያን፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታቶምን ምድንፋዕ ሃገራዊ መደባትን ናይ ዘሰላሰልዎ ንጥፈታት ዝምልከት ኣኼባታት ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ድሙቕ ፈስቲቫል፡ ስፖርታዊ ውድድራት ኣብ መንጎ ከተማታት፡ ስነ-ጥበባዊ መደባትን ቅዲ-ክዳንን ክካየድ እንከሎ፡ ዕዉታት ተወዳደርትን ነቲ ፈስቲቫል ኣብ ምዕዋት ንጡፍ ኣበርክቶ ዝገበሩን፡ ካብ ሚኒስተር ወልደንኪኤል ኣብርሃን ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጴጥሮስን፡ ዋናጩ፡ ሜዳልያታትን ሰርቲፊኬትን ተቐቢሎም።

ካብ ኤርትራ ዝኸደት – ብመንእሰያት ዝቘመት ጉጅለ ባህሊ፡ ነቲ ፈስቲቫል ዝያዳ ድምቀት ከምዝወሰኸትሉ፡ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories