ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ክትግበር ዝተወጠነ መደባት ልምዓት፡ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት፡ እቲ ምስራሕ ራህያታት፡ ምጽፋፍ ጽርግያን ምስራሕ ተወሰኽቲ ክፍልታት ትምህርትን ዘጠቓልል ስራሓት፡ ብዝወጽኣሉ ናይ ግዜ መቓን ይትግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ቖዶ፡ ዓዲ-ጣፋን ኲዶብዑርን ዝስራሓ ዘለዋ ራህያታት ኣብ ደረጃ ምዝዛም ክበጽሓ እንከለዋ፡ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ዝተሰርሐ ካብ እምኒሓይሊ ናብ ዓዲበሓይላይ ዝኣቱ ጽርግያ’ውን ናይ ምጽፋፍ ስራሓት ይካየደሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ በብከባቢኡ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ብተበግሶ ህዝቢ ዝስራሕ ዘሎ ንመንበሪ መማህራን፡ መምሃሪን ዓይኒ-ምድርን ዘገልግል ተወሰኽቲ ክፍልታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ይትግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መንግስትኣብ ጠዓመ፡ ሓረስቶት ንዘለዎም ሃብቲ ገረብ ብምዕቃብ ፍግረ-መሬት ክከላኸሉን ምቅይያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩን፡ ከምኡ’ውን በብእዋኑ ንዝወሃብ ሞያዊ ምኽሪ ክኢላታት ሕርሻ ከተግብሩ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ መስመር እምኒ-ሓይሊ – ዓዲ-ብሓይላይ ካብ ምብሕጓጒ ንምክልኻልን ኣብ ህንጸት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝጐደለ ንምምላእን፡ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

Categories