ኣብ እስራኤል፡ ኣውስትራልያን ሃገራት ስካንዲናቭያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ዘሰላሰልዎ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ መብጽዓኦም ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ኣሐዲሶም።

ተቐማጦ ኣውስትራልያን እስራኤልን ብምኽንያት 20 ሰነ በብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ዝኽሪ ሓበን፡ ልዕሊ 62 ሽሕ ዶላር፡ ከምኡ’ውን 23,200 ሽከል ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣበርኪቶም።

ብመሰረት ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ መልበርን 18,158 ዶላር፡ ነበርቲ ሲድኒ 3,010 ዶላር፡ ተቐማጦ ኣደላይድ 4,261 ዶላር፡ ነበርቲ ብሪዝቤን 2,617 ዶላር፡ ህጻን ደሊና ወሃብ 160 ዶላር፡ ኣብ ጎልድ ኮስት ዝቕመጡ ዜጋታት ድማ 2,000 ዶላር፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 30,000 ዶላር’ዮም ኣወፍዮም።

እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ፡ 14 ስድራ ስውኣት ናይ ምንባይ ሓላፍነት ከምዝወሰዱ፡ ካብ ኣውስትራልያ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘበርከትዎ ድማ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኢላት 12,000 ዶላር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከተማ ኢላት 4,500ን ዶላር፡ ኣባላት ማሕበር ‘ፍኖተ ሰማእታት’ ኣብ ርእሲ’ቲ 150 ስድራ ስውኣት ንምንባይ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ 15,000 ዶላር፡ ብጠቕላላ 31,500ን ዶላር’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ብምኽንያት 20 ሰነ ዝተኻየደ መደብ ‘ዝኽሪ ሓበን’ ዝተዋጽአ 23,200 ሽከልን 505 ዶላርን፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ተበርኪቱ።

ኣብ ካልእ ንጥፈት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ መበል 14 ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቭያ፡ ካብ 21 ክሳብ 23 ሰነ ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን ተኻዪዱ።

ዕላማ’ቲ ፈስቲቫል፡ ሌላን ጥምረትን ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ቈልዑን መንእሰያትን ድማ ብፍላይ ብምሕያል፡ ሃገራዊ ስኒትን ፍቕርን ንምዂስኳስ ምዃኑ፡ ወደብቱ ገሊጾም።

Categories