ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምዕባል ዝተኻየደ ንጥፈታት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ካብ 24 ክሳብ 25 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ገምጊሙ።

እቲ ጨንፈር፡ ሞያዊ ዓቕሚ፡ ጥዕናዊ ኣፍልጦን ንቕሓትን፡ ከምኡ’ውን ቊጠባዊ ኩነታት ኣባላቱ ክብ ንምባል ኣብ 9 ንኡስ ዞባታት ናይ ዝወጠኖ መደባት ገስጋስ ኣብ ዝገምገመሉ፡ ኣብ ምክትታል ጥዕና ኣደን ዕሸልን፡ ምብራኽ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ናይ ምሕደራ ዓቕሚን ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምዕባለታት የመዝግብ ከምዘሎ በሪሁ።

ሓላፊት ጨንፈር ወይዘሮ ኣምና ሓሰን፡ ደቂ-ኣንስትዮ‘ቲ ዞባ ምስ ኩሉ ብድሆታት ኣጥርየናኦ ዘለዋ ንቕሓትን ዓቕሚን፡ ንጥፈታተን ብኣድማዕነትን ጽፈትን ንኸተግብራ ደፋኢ ሓይሊ ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ምውዳብ ሓደስቲ ኣባላት፡ ምክትታል ንኡስ ልቓሕ ዝወሰዳ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ምርጫ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምውጋድ ሃሳዪ ልምድታት ገና ሓያል ዕዮ ከምዘድሊ ኣገንዚባ።

ተሳተፍቲ ብወገነን፡ ቀዳምነታት ደቂ-ኣንስትዮ በብከባቢኡ ክጽናዕ፡ ኣብ ምውዳብ ዝርአ ዘሎ ድኻማት ብግቡእ ክልለ፡ ቊጠባዊ መነባብሮአን ንምምሕያሽ ዝወሰድኦ ንኡስ ልቓሕ ኣብ ግዜኡ ዘይመለሳ ኩነታተን ክፍለጥ፡ ምስራሕ መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና ብሰፊሑ ክስራሓሉ ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪበን።

ሓላፊት ምምሕዳርን ፋይናንስን ሃማደኤ ወ/ሮ ዛይድ መስፍን፡ ኣባላት ኣካዳሚያውን ሞያውን ዓቕሚ ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንምባል ማሕበር ብዕቱብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣቐዲመን ሞያ ዝቐሰማ ኣባላት ህላወአንን ኣበርክቶአንን ክጽናዕ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ቊጠባዊ ጉዕዞአን ንምውሓስ ብንኡስ ንግድን ሕርሻን ዝነጥፋሉ ተራድኦታት ከምዝምስርታ ክግበር፡ ነፍሲ-ወከፍ ጓል-ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበር ተጠርኒፋ ባይታ ናይ ስራሕ ክጣጠሓላ ኣዘኻኺራ።

Categories