እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ንዝተዋጽኡ 60 ኣባላቱ ዝወደቦ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠናታት ተዛዚሙ።

እቲ ምስ መኰነን ሓበሬታን ጐስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል ብምውህሃድ፡ ካብ 15 መጋቢት ክሳብ 16 ሰነ 2018 ዝተዋህበ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተሰነየ ስልጠናታት፡ ድሩቕን ተንቀሳቓስን ስእሊ፡ ግራፊክስ፡ ጋዜጠኝነትን ስነዳን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ስታፍ ሓበሬታን ጐስጓስን እዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ ካፕተን እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል፡ እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይቲ ዓቕሚ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ሞያታት ንምምዕባል ዝሰላሰል መደባት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀጻሊ ብዝለዓለ ደረጃ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ተመረቕቲ፡ ንኣገዳስነት ናይቲ ስልጠና ኣብ ዕለታዊ ስርሖምን መጻኢ ሂወቶምን ብምጥቃስ፡ ብስራሕን ቀጻሊ ጻዕሪን ከማዕብልዎ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንብሉጻት ሰልጠንቲ ፍሉይ ሽልማት ተዓዲሉ።

ኣብቲ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ሓለቓ ስታፍ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኮሎኔል መልኣከ ተኽለማርያም ከምኡ’ውን ስታፋትን ሓለፍቲ ጨናፍርን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories