ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ብሚኒስትሪታት ቱሪዝምን ጥዕናን ዝተወደበ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ብስጋዊ ርክብ ኣብ ዝመሓላለፉ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ን120 ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ተዋሂቡ።

ሓላፊ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ በርሀ ከሰተ፡ ንጠንቅታትን ሳዕቤናትን ናይ’ቲ ሕማማት፡ ምልክታቱን ማሕበረ-ቊጠባዊ ጽልዋታቱን ዝምልከት ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ኣቕሪቡ።

“ጉዳይ ጥዕና፡ መሰረታውን ዘይስገርን’ዩ” ዝበለ ኣቶ በርሀ፡ ደግሲ ናይ’ቲ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ዘሎ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ንምክልኻል፡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ ብወገና፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ድሕነት ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታትን ተገልገልትን ንምርግጋጽ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤትመስተን ሆቴላትን ዝሰርሓ ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ንቕሓተን ብምብራኽ፡ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብራ ምዒዳ።

 

Categories