ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ዓቕሚ ሰብ-ሞያ ጥዕና ክብ ብምባል ጥዕና ነበርቲ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ኣብ ከተማታት ከረንን ሓጋዝን ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ 78 ሰብ ሞያ ዝተሳተፍዎ መደብ፡ ዝውጠኑ መደባትን ዘጋጥሙ ብድሆታትን፡ ከምኡ’ውን ብልጫታትን ድኻማትን ብመንጽር ክብጻሕ ዝግብኦ ሸቶታት ብሰፊሑ ተዘትዩሉ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ርኡይ ለውጢ ከምእተመዝገበ ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምክትታል ለበዳዊ ሕማማት ኣቶ ጸጋይ ተኸስተ፡ ኣብ ምዕቃብ ጥዕና ህዝቢ ተመዝጊቡ ዘሎ ዕብየት፡ ውጽኢት ናይቲ በብእዋኑ ኣብ ዓቕሚ ኣባላት ዝግበር ወፍሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ እኹልን ጽጹይን ስርዓተ-ሓበሬታ ብምድላው መደባት ንምትግባር ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ብጻዕሪ ኣባላት ሰብ ሞያ ጥዕናን ንቕሓት ሕብረተ-ሰብን፡ ብክታበት ክጠፍእ ዝኽእል ሕማማት ፖልዮን ቴታኖስ ህጻናትን ከምዝጠፍኡ፡ ንፍዮ ድማ ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝርከብ ዝሓበረ ኣቶ ጸጋይ፡ ብሰንኪ ዘይምኽታብ እትሓልፍ ሂወት ንኸይትህሉ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ብንቕሓት ክሳተፍ ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ውጥን መደባት ምክትታል ለበዳዊ ሕማማት ኣብ 2018 ተሳኢሉ።

Categories