ሓደጋታት ተሽከርከርቲን ሳዕቤናቱን ንምውጋድ፡ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ዘሎ ንቕሓት ንምዕባይ ገና ሓያል ስራሕ ይጽበየና ከምዘሎ፡ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ 3ይ ጉባኤ ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሃገርና ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘጋጠመ – ኣስታት 24 ሽሕ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ 721 ሰባት ሞይቶም፡ 3,246 ከቢድ 6219 ድማ ፈኲስ ኣካላዊ ጉድኣት ኣጋጢምዎም፣ ኣብ ንብረት ድማ ልዕሊ 373 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዕንወት ወሪዱ።

ቀንዲ ጠንቂታት ናይ ዝበዝሑ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ንድሕነት ኣብ ግምት ዘየእተወ ተጠቃምነት ጽርግያ፡ ዘይጥጡሕነት ጽርግያን ዘይብቑዕነት ተሽከርከርትን ኮይኖም፡ መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕ፡ ክቱር ናህሪ፡ ከምኡ’ውን ተሽከርካሪት እናመራሕካ ኣቓልቦኻ ዝጥምዝዝ ንጥፈት ምስላስል፡ ከምኡ’ውን ሸለልትነት ኣጋር ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ፡ እቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ ምዃኖም ጸብጻብ ፖሊስ ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ልዕሊ 554 ሽሕ ክስታት ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ከምእተመዝገበ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣስታት 118 ሚልዮን ናቕፋ መቕጻዕቲ ከምእተበየነ በሪሁ።

“ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት’ዩ ዘስዕብ ዘሎ” ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ብደረጃ ስድራን ሃገርን ብቐሊል ዘይሓዊ በሰላ ዝገድፍ ዘሎ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ተጠቃሚ ጽርግያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ዝነጥፉ ድማ ብፍላይ ጥንቁቓትን ሓላፍነታውያንን ክኾኑ ጸዊዑ።

ኣብ ምምልላስ ህዝቢ ዝነጥፋ መካይን፡ ብዘይካ’ቲ ዓመታዊ ዝካየድ መርመራ ተሽከርከርቲ፡ ብቕዓተን ቀጻሊ ዝፍተሸሉ፡ ዘየተኣማምና ኮይነን ምስ ዝርከባ ድማ ካብ ስራሕ ዝእለያሉን ዝትካኣሉን ስርዓት ክተኣታቶ፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት 1.3 ሚልዮን፡ መዓልታዊ ድማ 3,287 ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ሓደጋታት ትራፊክ፡ ምስ’ቶም ዓሰርተ ቀንዲ ጠንቅታት ሞት ኣብ ታሽዓይ ተርታ ከምዝስራዕ፡ ኣብ ንብረት ድማ ልዕሊ 500 ቢልዮን ዶላር ክሳራታት ከምዘስዕብ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

Categories