ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ሰሉስ 26 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ወከልቲ ህዝብን ካልኦትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ወጻኢ ካብ ዘመተታት ህዝባዊ ርክባትን ዜናዊ ምቅብባልን፡ ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ከነበግስ ኢና።” ክብል ምግላጹ ይዝከር።

Categories