ህዝቢ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ 2007 ብዘበገሶ ስድራ ስዉኣት ናይ ምጥያስ መደብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብልዕሊ 8 ሚልዮን ናቕፋ 673 ስድራ ስዉኣት ብገንዘብን ዓይነትን ከምዘጣየሰ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋዝጊ ዑቕባዝጊ ሓቢሩ።

እዚ – ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንዝርከቡ 714 ስድራ ስዉኣት ንምጥያስ ዝተበገሰ መደብ፡ ብውፉይ ስራሕን ኣበርክቶን ሰብጸጋ ጽቡቕ ገስጋስ ከምዘመዝገበ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋዝጊ፡ ንዘርኣይዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ።

ኣቐዲሙ ካብ ዝተዋጽአ ዝተረፈ 460 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ባንክ ከምዘሎ፡ ኣብ ክራማት ሎም-ዘበን ኣብ ሕርሻ ንዝነጥፋ 100 ስድራ ስዉኣት፡ ናይ ማሕረስን ዘርኢን ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ንምውዓሉ መደብ ከምዘሎን እውን ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ን8 ተኣለይቲ ስንኩላን ኲናት ኣብ’ታ ከተማ መንበሪ ንምህናጽ ህዝቢ ብዝገበሮ ናይ 3.7 ሚልዮን ናቕፋ ኣበርክቶ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክህነጻ ዝተመደባ 3 መደቀሲ ክፍልታት፡ ክሽነን ዓይኒ-ምድሪን ዘጠቓልላ ኣርባዕተ ኣባይቲ ከምእተዛዘማን ኣብ ቀረባ መጻኢ ንነምዝልከቶም ክዕደላ ምዃነንን፡ ኣቶ ተስፋዝጊ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ሳልሕ ዑስማን ብወገኑ፡ ብመሰረት’ቲ ናይ ምጥያስ መደብ፡ ስድራ-ስዉኣት ብቚጠባ ነብሶም ንክኽእሉ፡ ከከም ምርጫኦም ብጥሪት፡ ንኡስ ንግዲ፡ ካሮሳታትን ስፌት ክዳንን ከምእተጣየሱ፡ ብዘካየድዎ መጽናዕቲ ድማ፡ 90 ሚእታዊት ምንጪ ቊጠባዊ እቶቶም ብምውሓስ ጽቡቕ መነባብሮ ይመርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣባል ኮሚተ ምጥያስ ስድራ-ስዉኣት ወይዘሮ መኣዛ ማሕራይ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ገንዘባዊ ደገፍ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ምስ’ቶም ስድራ ስዉኣት ቤተ-ሰባዊ ዝምድና ብምፍጣር ዘካይዶ ዘሎ ስሩዕ ምክትታል፡ ንካልኦት ኣብነት ዝኸውን – ዘሐብን ኤርትራዊ ክብሪ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ሓገዝ ዝተገብረሎም ስድራ-ስዉኣት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስሩዕ ናይ መንግስቲ ናብዮት፡ ህዝቢ ዝገብረሎም ምሕብሓብ፡ ኣብ መነባብሮኦም እወታዊ ለውጢ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

Categories