መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – 20 ሰነ፡ ብደረጃ ዞባታት ንዕዙዝነት’ታ ዕለት ብዝገልጽ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዘኪራ።

ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብ19 ሰነ – ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ነበርቲ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ከተማ ባረንቱ፡ ብባንድ ምረሻን ሰራዊትን እናተመርሑ ሰልፊ ሽምዓ፡ ብ20 ሰነ ድማ ካብ ማእከል ከተማ ባረንቱ ክሳብ መቓብር ሓርበኛታት ናይ እግሪ ጒዕዞ ከካይዱ እንከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ‘ፕሪማ ካንትሪ’ ዝጸንሐ ኣስከሬን ስውእቲ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኣ ተቐቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ፡ ሽምዓ ብምብራህን ካብ ከተማ ዓሰብ ክሳብ መቓብር ሓርበኛታት ናይ 10 ኪሎ-ሜትር ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባርን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ፡ ንቅያ ሰማእታት ዘመጒስን ሕድሮም ብውፉይ ስራሕ ንምትግባር ንዘሎ ድልውነት ዘነጽርን መደረታት ተሰሚዑ።

ብተመሳሳሊ፡ ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ከተማ ከረን ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብ19 ሰነ ናይ ሽምዓ ሰልፊ፡ ብ20 ሰነ ድማ መደረታትን ባህላዊ መሰናድኦታትን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

ድሕሪ’ቲ መደብ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ 06 ኣብ ዝተዳለወ ኮማዊ ዳስ ብምትእኽኻብ፡ ምስ ስድራ ሰማእታት ከምዝወዓለ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብደረጃ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብ19 ሰነ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ጥዋለት ናይ ሽምዓ ሰልፊ፡ ብ20 ሰነ ጒዕዞ ናብ መቓብር ሓርበኛታት ብምክያድ፡ መብጽዓኡ ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ደጊሙ ኣሐዲሱ።

ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ብደረጃ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ብ19 ሰነ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ፡ ተመሃሮ ኮለጃትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ብምረሻ ባንድ ተሰንዮም ሽምዓ ብምብራህ ናብ መቓብር ሓርበኛታት በጺሖም።

ብ20 ሰነ ድማ፡ ኣስከሬን ልዕሊ 500 ሓርበኛታት ስዉኣት፡ ካብ’ቲ ብግዝያውነት ዝነበሮ ቦታ ተኣኪቡ፡ ኣብ ሓድሽ መቓብር ሓርበኛታት ብኽብሪ ዓሪፉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ መካነ-መቓብር ገረብ ናይ ምትካልን ሽግ ናይ ምውላዕን መደብ ተኻዪዱ።

Categories