ኣብ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ኬንያ፡ ቐጠር፡ ከምኡ’ውን ርያድ – ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ን20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብሓበን ዘኪሮም።

ኣብ ከተማታት ሙንሸንግላድባኽ፡ ሙኒኽን ፍራይቡርግን – ጀርመን ዝተኻየደን ህጻናትን መንእሰያትን ብብዝሒ ዝተሳተፍዎን ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብምውላዕ ሽምዓን ንትርጒም መስዋእትን መስዋእትነትን ዘንጸባርቕ መደረታትን ስነጥበባዊ መደባትን ዝተሰነየ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ሙኒኽ ኣብ ዝተኻየደ ብሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ዝተወደበ ስነ-ስርዓት፡ ተሳተፍቲ ንስድራ ስዉኣት ናይ ምሕጋዝ ተበግሶታት ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ሊድስ፡ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሸፊልድ፡ ኒው-ካስል፡ ኮቨንትሪ፡ ኖቲንግሃምን ለንደንን – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምኡ’ውን ዳብሊን – ኣየርላንድ በብወገኖም፡ ኣብ ሰማእታቶም ንዘለዎም ክብሪ፡ ከምኡ’ውን ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ብዝገልጽ መሰናድኦታት ዘኪሮምዋ።

ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣስታት 4 ሽሕ ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ በጃ ንዝሓለፉ ሰማእታትና፡ ብልምዓት ምቕሳኖም ዜግነታዊ ግዴታ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ተቐማጦ ኡፕሳላ – ሽወደን፡ ንሰማእታቶም ሽምዓ ብምውላዕን ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት መብጽዓኦም ብምሕዳስን ዘኪሮምዋ።

“ሰማእታትና፡ ህላወና ዘውሓሱ’ዮም” ዝበሉ ነበርቲ ሮተርዳም – ሆላንድ ድማ፡ ሓድነትን ስኒትን ህዝቢ ምሕያልን መደባት ልምዓት ምድንፋዕን ምቕሳን ሰማእታት ስለዝኾነ፡ ብዝሓየለ ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣስታት 7 ሽሕ ዩሮ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣታዊ ክኸውን እንከሎ፡ 3 ስድራ ስዉኣት ናይ ምእላይ ሓላፍነት’ውን ተወሲዱ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ናይሮቢ – ኬንያ፡ ብሓባርን ብሃገራዊ ፍቕርን ንሰማእታቶም ብምዝካር፡ መብጸዓኦም ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ኣሐዲሶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ርያድን ከባቢኣን – ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ -ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣታዊ ዝኾነ 25,400 ርያል ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ሓበን ሃብተ ዝተባህለት ህጻን ብውልቃ ዘዋህለለቶ 826 ርያል ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣበርኪታ።

ሓላፊት ቈንስላዊ ጉዳያት ኣብ ርያድ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ንሰማእታትና ክብሪ ምሃብ፡ ካብ ድሙቓት ክብርታት ሕብረተሰብና ምዃኖም ጠቒሳ፡ “እዚ ፍሉይነት’ዚ ናብ ህጻናት ደቅና’ውን ክውረስ ምርኣይ ዘሐብን’ዩ” ኢላ።

ኣብ ኣ’ደውሓ – ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ኣምባሳደር ዓሊ ኢብራሂም፡ ናጻ ኤርትራ ህያብ ሰማእታትና ንዓና ከምዝኾነት፡ ብልጽግትን ስምርትን ኤርትራ ድማ ህያብና ንሰማእታትና ስለዝኾነት፡ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መደባት ብተወፋይነት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ 2,650 ርያል ቐጠር ከበርክቱ እንከለዉ፡ ብተወሳኺ 24 ስድራ ስዉኣት ናይ ምንባይ ሓላፍነት ከምዝወሰዱ ተፈሊጡ።

Categories