ኣብ ከተማ ከረን – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዋሊኩ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎኦም ንዝነብሩ 75 ስድራ ስዉኣት ልዕሊ 15 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪቶም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ምእላይ ስድራ ስዉኣት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ከምዘይኮነ፡ እቲ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ድማ፡ ኣብ ጎድኒ ስድራ-ቤት እቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑ ምህላዎም ንምግላጽ ምዃኑ ኣረዲኦም።

እዚ ዓመታዊ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝግበር ደገፍ፡ ህዝቢ ንሕልናዊ ዕግበቱ ብወለንታኡ ዝገብሮ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ከባቢ 6 ኣቶ በኺት ጉብጣን፡ ኣብዚ ንልዕሊ 13 ዓመታት ዝቐጸለ መደብ፡ ኮማዊ ዳስ ብምትካል ምስ’ቶም ስድራ ጀጋኑ ከምዝውዕሉ ሓቢሩ።

ደገፍ ዝተገብረሎም ስድራ ስዉኣት ብወገኖም፡ ንተበግሶ’ቶም ነበርቲ ድሕሪ ምምስጋን፡ ደቆም ዝወደቑሉ ዕላማ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ከም ወትሩ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሮም።

ነበርቲ ዋሊኩ በዚ ኣብ 2005 ዝጀመርዎ ስድራ ሰማእታት ናይ ምሕጋዝ መደብ፡ ብድምር ኣስታት 100 ሽሕ ናቕፋ ከምዘበርከቱ፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

Categories