ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካምፓላን ከባቢኣን – ኡጋንዳ፡ ብ17 ሰነ ሰማእታቶም ብሓበን ዘኪሮም።

እቶም ዜጋታት ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብማርሽን ባንድ ዝተሰነየ ናይ ሓደ ሰዓት ጉዕዞ እግሪ፡ ከምኡ’ውን ምውላዕ ሽምዓ ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ሱሌማን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ስዉኣት፡ በታ ዘይትትካእ ሂወቶም ፍቕሮም ንህዝቦም ዝገለጹ እዮም” ድሕሪ ምባል፡ 20 ሰነ – ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ፡ ሓድነት ህዝቡ ብምድልዳልን ራኢ ብልጽግቲ ኤርትራ ብምስማርን ሞሳኦም ንምምላስ ብተወፋይነት ክሰርሕ ቃሉ ዘሐድሰላ ዕለት ምዃና ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ንዝኽሪ ስዉኣት ዝግበር መደባት ናይ ሕልና ቅሳነት ዝፈጥር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕድሮም ንምትግባር መብጽዓኦም ኣሐዲሶም።

Categories