ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን በጃ ንዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ንምዝካር፡ ትማሊ 19 ሰነ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ደብረ-ሳህለ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል – ጸሎተ ፍትሓት፡ ኣብ መስጊድ ኻልድ ቢን ወሊድ ከኣ ደርስን ዱዓን ተኻዪዱ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ጸሎተ ፍትሓት፡ ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሊቃውንቲ፡ ውልዶ ካህናትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናንን፡ ንሰማእታት ጸሎት ኣብጺሖም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስመዕዎ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ንስድራ ሰማእታቱ ክሕብሕብ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ብፍቕርን ሓልዮትን ንሃገሩ ክከላኸልን ከልምዕን፡ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ድማ ብስኒት ክነብር ተላብዮም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መስጊድ ኻልድ ቢን ወሊድ ኣብ ዝተኻየደ ደርስ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ ብኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራን ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ተመሪሖም፡ ስለ’ቶም ዘይትትካእ ሂወቶም ከፊሎም ናጽነት ዘጐናጸፉናን፡ ካብ ዳግማይ ወራር ልኡላውነት ሃገር ዘውሓሱን ጀጋኑ ሰማእታት ዱዓ ኣብጺሖምን ሰጊዶምን።

Categories