ኣብ ድባርዋ፡ ልዕሊ 200 መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ኣብ ተራ መንእሰያትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ብ8 ሰነ ተዋሂቡ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ ልዑል ንቕሓት መሰረት ሓያል ውዳቤ ምዃኑ ብምሕባር፡ መንእሰያት ንኹሉ ዝሰምዕዎ ብውድዓዊ መንገዲ ብምግምጋም፡ ግዜኦም ኣብ ምምዕባል ነብሶምን ምልዋጥ ከባቢኦምን ከውዕልዎ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት ብወገኑ፡ ኣበርክቶ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብቲ ንኡስ ዞባ ብሓፈሻ፡ ኣብ ማእቶታውን ስፖርታውን ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ዝምጐስ ምዃኑ፡ መደባት ልምዓት ኣብ ምዕዋት እውን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ 14 ሚያዝያ ክሳብ 31 ግንቦት ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ስፖርት ንዝተዓወቱ ሽልማት ከምእተዓደለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories