ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ትማሊ15 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓባራዊ ሰላት ዒድ ተኻዪዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራን ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ – ንትርጒም ጾም ሮሞዳንን ዒድ ኣልፈጥርን ዝምልከት መደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምውሓስን ልምዓትን ሃገር ተዋፊሮም ንዘለዉ ጀጋኑ “ዮሃና” ኢሎም።

ሼኽ ሳልም ወሲኾም፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋን፡ ዋና መሬቱ ክኸውን ምብቅዑ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ነዛ ብዋጋ መስዋእትነት ዝመጸት ሃገርን ልኡላውነትን ምሕላውን፡ ሰላማን ርግኣታን ምዕቃብን ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ብሓፈሻ ሓድነቶምን ስኒቶምን ክዕቅቡን ከደልድሉን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስነ-ስርዓት፡ መእመናን ኣብ ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ናይ ዮሃናን ይቕረ ምብህሃልን ሰላምታ ተዛዚሙ።

Categories