ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ብመገዲ ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተፈተነ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ – ጽቡቕ እቶት ከምእተረኽቦ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ክኢላ ልምዓት ኣትክልትን ፍረታትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ እቲ ዝተዘርግሐ 43 ኩንታል ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ፡ ንዘጋጠሞ ናይ በረድ ጉድኣት ተጻዊሩ ልዕሊ 650 ኩንታል ፍረ ከምእተረኽቦ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣብ ሓበሬታኡ፡ ሓረስቶት ዝገበርዎ ጻዕርን ምክትታልን ኣብ’ቲ ዝተረኽበ እቶት ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ቐይሕ ዝሃረመ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ግን፡ ነቲ ምህርቲ ብ60 ሚእታዊት ከምዘጒደሎ ኣረዲኡ።

ካብቲ ዝፈረየ ድንሽ፡ 160 ኩንታል ንካልኦት ሓረስቶት ንኽዕደል ንመኽዘን ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ዞባ ደቡብ ከም እተረከበ ሓቢሩ።

እቶም ሓረስቶት፡ ነቲ ዝተዋህቦም ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ፡ ምኽሪ ክኢላታትን ተመኲሮኦምን ኣወሃሂዶም ከምዘፍረይዎ ብምሕባር፡ ንዝተዋህቦም ዕድል ኣመስጊኖም።

Categories