ኣብ ከተማ ሰንዓፈ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን፡ ኣብ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣድማዒ ተሳትፎ ይገብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ ግርማይ ስዮም፡ ቅርጺ መሬት’ቲ ንኡስ ዞባ ንልዑል መጠን ብኽነት ማይን ሓመድን ዝዕድም’ኳ እንተኾነ፡ ዓመት መጸ ብተመሃሮን ህዝብን ብዝካየድ፡ ምግራብን ምስራሕ ዛላታትን ዘጠቓልል ንጥፈታት ኣብ ደሓን ኩነታት ከምርከብ ብምጥቃስ፡ ንዝምዝገብ ዘሎ ውጽኢት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ ዓመት ዝያዳ ኣብ ምስራሕ ከትርታትን ቅናታዊ ዛላታትን ከምኡ’ውን ኣብ ምግራብ ሰፊሕ መደባት ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ብሰብ ሞያ ሕርሻ እናተመርሐ ብመንእሰያት ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣካል ናይቲ መደብ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣቶ ግርማይ፡ ኣብ ምዝላይ ጎቦታትን ምዕጋት ስንጭሮታትን፡ ንመትከሊ ፈልሲታት ዘውዕል ጎዳጒዲ ኣብ ምዂዓት ዘተኰረ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ እቲ ዕማም ኣብ ምጽጋን ጽርግያን ምግራብን እውን ንምቕጻሉ መደብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ተመሳሳሊ ወፈራታት ብህዝብን ተመሃሮን ይካየድ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ንቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

Categories