ኣብ ጀርመን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ዝተፈላለየ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ሃገራዊ ሽማግለ ጀርመን፡ ናይ 2 ዓመት ንጥፈታቱ ንምግምጋም ብ9 ሰነ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፡ ንንጥፈታቱ ዝድርዕ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ሃገራዊ ሽማግለ – ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብምብራኽ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ንዘካይዶ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ መደባቱ ንምድንፋዕ ደገፍ ኤምባሲ ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ሽማግለ ዶክተር ተስፋይ ዓብለሎም ብግደኡ፡ ብተሳታፍነትን ኣበርክቶን ዜጋታት ብሓፈሻ ሃገራውያን ውዳበታት ድማ ብፍላይ፡ ተልእኾ ናይ’ቲ ውዳበ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንመንእሰያት ዘሳተፍ ንጥፈታቱ ከምዘካይድ ገሊጹ።

ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ጀርመን ብ2ን 3ን ሰነ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ድማ፡ ንክልተ ዓመታት እትመርሖ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ከለንን ከባቢኣን፡ ብ3 ሰነ ብምምሕዳር’ታ ከተማ ኣብ ዝተወደበ ዓመታዊ ባህላዊ ፈስቲቫል፡ ንባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ሃገሮም ዘጒልሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስኒትን ምክብባርን ዝተሰረተ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘርኢ መሰናድኦታት ኣቕሪቦም።

ኣባላት ውዳበታት ህግደፍን ሃማደኤን ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ምሕያል ዓቕሚ ውዳበታቶምን ምድንፋዕ ኣበርክቶ ኣብ’ቲ ዞባ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መደባትን ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ10 ሰነ ኣብ ከተማ ዳላስ – ቴክሳስ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ካብ ዳላስ፡ ህዩስተንን ኒውኦርሊንስን ዝመጹ ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ 105 ኤለክትሮኒካዊ መንበብቲ ተበርኪቱ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ ድማ፡ ንኣካየድቲ ውዳቤ ህግደፍ ኣብ ከተማታት ፐርዝን ብሪዝቤንን፡ ንህልው ኩነታት ሃገርና ከምኡ’ውን ንቈንስላዊ ኣገልግሎት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

Categories