ኣህጉራዊ መዓልቲ ወለንታውያን ለገስቲ ደም – 14 ሰነ፡ “ልግሲ ደም፡ ናይ ምትሕግጋዝ ተግባር’ዩ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ንመበል 15 ግዜኣ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዘኪራ።

ከም ኣካል ናይ’ቲ መደብ፡ ብማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዝተወደበ፡ ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ምብራኽን ንወለንታውያን ለገስቲ ደም ንዝያዳ ዕዮ ንምትብባዕን ዝዓለመ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ካብ ኣፍ-ደገ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ክሳብ ቀጽሪ ሃገራዊ ባንክ ደም ተኻዪዱ።

ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣብ ቀጽሪ ሃገራዊ ባንክ ደም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ህላወ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕናን ቀረብ ውሕስነቱ ዝተሓለወ ደምን ንምርግጋጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ቈላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ምጽንሑን ምህላዉን ብምሕባር፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ ዘተባብዕን ንዝያዳ ጻዕሪ ድርኺት ዝፈጥርን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ገብረገርጊስ ብወገኑ፡ ብደረጃ ዓለም – መጠን ልግሲ ደም ካብ 2013 ክሳብ 2016 ዓ.ም፡ ካብ 3.9 ሚልዮን ናብ 4.5 ሚልዮን ዩኒት ዕብየት ከምዘመዝገበ ብምሕባር፡ ብኣኡ መንጽር ብሓደጋታት ክስዕብ ዝኽእል ሞት ከምዝነከየ ኣረዲኡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣቶ ሳምሶን ገብረስላሴ ድማ፡ ልግሲ ደም ናይ ምትሕግጋዝ ተግባር ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዜጋ ረብሓኡ ተገንዚቡ፡ ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ሂወት ንምድሓን እጃሙ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ወለንታዊ ልግሲ ደም ከምእተኻየደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories