ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣወዳድባኡ ክሳብ ዓድታት ከምዝወርድ ብምግባር፡ ሃሳዪ ልምድታት ኣብ ምቅላስን ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ኣብ ምባልን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብ12 ሰነ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታትን ምስፋሕ ዝርጋሐን ማሕበር፡ ምምሃር ደቂኣንስትዮን ምርግጋጽ ቀጻልነተንን፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማእቶት፡ ምሕያል ቊጠባን ኣፍራይነትን ደቂ-ኣንስትዮን ካልእን ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ኣብ ስራሕ ዘጋጥሙ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምፍታሕ ብማሕበር ዝተወስዱ ተበግሶታትን ዝተዓሙ ስርሓትን ድሕሪ ምግላጽ፡ ውዳበ ብሰፊሑ ክስራሓሉ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሽግራት ደቂ-ኣንስትዮ ንምቅላልን ኣበርክቶአን ዘዕብያሉ ባይታ  ንምፍጣርን ብዕቱብ ክሰርሓ ኣተሓሳሲባ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ድማ፡ ትግባረን ኣድማዕነትን ናብ ደቂ-ኣንስትዮ ዝቐንዑ መደባት ኣብ ንቕሓት፡ ሰፊሕ ውዳበን ዕዙዝ ተሳትፎን ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝምርኰስ ብምሕባር፡  ናብ መንእሰያት ዝቐንዑ ንጥፈታት ክሕይሉ ከምዝግባእ ኣስሚራትሉ።

Categories