ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሕርጊጎ – ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ኣብ ምዕቃብ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነት ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ ዝግለጽ ተኽሊ ሾራ – ማለት ማንግሮቭ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ምግራብ ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ነበርቲ፡ ነዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ምምሕዳር ከተማን ዝተወሰደ ናይ ምግራብ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ነቲ ከባቢ ናብ ሓምላይ ንምቕያር ዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪት ምምሓዳር ከባቢ ሕርጊጎ ወ/ሮ ሓሊማ ዑስማን፡ ካብ 2002 ክሳብ 2004 ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምግራብ ሾራ ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሰብን ጥሪትን ከምዝበረሰ ብምዝካር፡ ካብ’ዚ ትምህርቲ ብምቕሳም ብሰፊሑ ተተሓሒዞምዎ ከምዘለዉ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ምግራብ ተኽሊ ሾራ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ደሴታት ክትግበር ዝጸንሐ ስራሓት ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ሳምሶን ዘካርያስ ብወገኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምግራብ፡ ንጥቕሙን ኣገዳስነቱን ዝምልከት ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ንህዝቢ ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ነበርቲ ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ መደብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምዕቃብን ምክንኻንን ናይ’ቲ ዝተተኽለ ኣግራብ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ገረብ ሾራ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምዕቃብ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ምክልኻል ፍግረመሬትን ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ከም መጽፈዪ፡ መፋረዪ፡ መዕቈብን መጽለልን ዓሳታት እውን የገልግል።

Categories