ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ ኣብ 6 ምምሕዳራት ከባቢ ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ዕላማ’ቲ ምርጫ፡ ነቶም ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ ብምትካእ፡ ህዝቢ ዝሓሸ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ባይታ ንምጥጣሕ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ኪዳነ፡ እቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ፡ ርዝነት ተሰኪሞምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ተገንዚቦም፡ ብእምነትን ተወፋይነትን ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ዝተመርጹ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ብወገኖም፡ ንህዝቦም ብቕንዕና ከገልግሉ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

Categories