ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣፍልጦ መሻርኽቱ ኣብ ነባራት ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብምብራኽ፡ ንምክልኻሎም ውሁድ ጻዕሪ ንምክያድ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ12ን 13ን ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣካዪዱ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣፍልጦ መሻርኽቱ ኣብ ነባራት ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብምብራኽ፡ ንምክልኻሎም ውሁድ ጻዕሪ ንምክያድ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ12ን 13ን ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ጠንቅታት፡ ምልክታት፡ ሳዕቤናትን ባህሪያትን ናይዞም ሕማማት ዘብርህ መግለጺታት ብክኢላታት ቀሪቡ።

እቶም ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዝነጥፉ ክኢላታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እዞም ሕማማት እዚኣቶም፡ ዕለታዊ ብእነዘውትሮም ንጥፈታት፡ ኣመጋግባን ወልፍታትን ዝጅምሩን ብዘገምታ ዝምዕብሉን ምዃኖም ብምሕባር፡ ምትካኽ ሽጋራ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ዘይተመጣጠነን ውሕስነቱ ዘይተረጋገጸን መግቢ፡ ከምኡ’ውን እኹል ምንቅስቓስ ዘይምዝውታር ካብቶም ግኑናት ጠንቅታት ምዃኖም ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ፡ ብቐጻሊ ሕክምናዊ መርመራ ኩነታት ጥዕናኻ ምፍላጥ፡ ቅኑዕ ኣወሳስዳ መድሃኒት ምኽታል፡ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝኽልክል ፖሊሲ ተግባራውነቱ ምርግጋጽ፡ ኣብ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ጐስጓሳት ምሕያል፡ ኣብ ቦታ ስራሕ እኹል ናይ ድሕነት ረቛሒታት ምምላእ፡ ነዞም ሕማማት ዘጋድዱ ብስነ-ፍልጠት ዘይድገፉ ኣገባባት ፍወሳ ምውጋድ፡ ካብቶም ኣተኲሮ ዘድልዮም ምዃኖም ኣነጺሮም።

ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና – ሓላፊ ኣሃዱ መርመራ ነባራት ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣቶ ተስፋልደት ወልደኣብ፡ እዞም ሕማማት ዳርጋ 70 ሚእታዊት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ምስ እነዘውትሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዙ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ንምክልኻሎም ዘኽእል እወታዊ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ፡ ተራ ናይ ኩሎም ኣካላት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

Categories