ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ – ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ካብ ዓዶም ናብ ምምሕዳር ከባቢ ርብዳ ዝኣቱ ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም።

እቲ ስራሕ፡ ካብን ናብን ሆሚብን ርብዳን ንዝጸንሖም ናይ መጓዓዝያ ጸገም ዘቃልል ምዃኑ ዝሓበሩ ወፋሮ፡ ተመሳሳሊ ዕዮ ንምክያድ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ዋሃጅ ዑስማን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማእቶት ኣብ ርእሲ’ቲ ጸገማትካ ናይ ምቅላል ብልጫኡ፡ ባህሊ ዓያይነትን ሓባራዊ ስራሕን ንምዂስኳስን ንምስራጽን እውን ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር መሓመድ ብወገኑ፡ ህዝቢ በብምምሕዳር ከባቢኡን ዓድታቱን ተወዲቡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያታትን ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታትን ዘጠቓልል ወፈራታት ብቐጻሊ ከምዘካይድ ኣረዲኡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተመሃሮ ቤት- ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣቑርደት እውን ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብ ዘተኰረ ተመሳሳሊ ወፈራታት ከምዘካየዱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories